ፍልሰትን ዑቕባን- ኣግደስቲ ቃላትን ትርጎሞምን  

 

ፍልሰት ፍልሰት ማለት ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ንክትነብር ምግዓዝ ማለት እዩ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰራሕተኛታት ናይ ፍልሰት ምስ ኣብቲ ሃገር ዝገዓዙ ሰባት ይሰርሑ።

ሓተትቲ ዑቕባ ሓደ ሰብ  ዓዱ ገዲፉ ናብ ዝወሓሰ ቦታ ብ ምኻድ ናይ ስደተኛ ደረጃ ንኽወሃቦ ዘመልከተ።
ስደተኛ ዓዱ ጠንጢኑ ኣብ ካልእ ዓዲ ክነብር ዝተፈቕደሉ፡ ናብ ዓዱ ምምላስ ንደሕንነቱ ሓደገኛ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሰብ።
ናይ ስደተኛ ደረጃ ናይ ስደተኛ ደረጃ እንድሕር ተዋሂቡካ ሆም ኦፊስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከም ስደተኛ ክትነብር ኣፍቂዱልካ ኣሎ ማለት እዩ።
ናይ ዑቕባ መስርሕ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ን ናይ ስደተኛ ደረጃ ን ምሓዝ ዝውሰዱ ስጉምትታት።
ናይ ዕድመ ግምገማ እንድሕር ን ዕድመኻ ዘረጋግጽ ሰነድ ዘይብልካ (ንምሳለ ፓስፖት ወይ ናይ ትውልዲ ሰነድ) ሆመ ኦፊስ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ እንድሕር ዘይኣሚኖምኻ፡ ናይ ዕድመ ግምገማ ክገብሩ እዮም።

እዚ ከኣ ክልተ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ዝካፍልዎ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ስብሰባ  ክግበር እዩ። ሕቶታት ብ ምሕታት ዕድመኻ ክግምግሙ ክፍትኑ እዩም።

ሆም ኦፊስ ብዛዕባ ፍልሰት ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል መንግስቲ።
ይግባይ ጌጋ እዩ እትብሎ ናይ ፍልሰት ውሳነ ምስ እትቕበል ን ቤት ፍርዲ ልክዕ  ወይስ ክቕይር ይከኣል እዩ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል።   ኣሳላጢ\ጠበቃ ነዚ ክትገብር ይሕግዘካ።
ቤት ፍርዲ ዳኛ ሕጋዊ ውሳነ ዝወሃበሉ ቦታ።
ኣገዳሲ(ቀንዲ) ቃለመጠይቕ እቲ ቀንዲ ቃለመጠይቕ ኮይኑ እቲ ሆም ኦፊስ ኣብ ዓዲኻ ውሕስነት ዘይስምዓካ ምኽኒያታት ብምሕታት ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ክህበካን ከይህበካን ዝውስነሉ እዩ።
ሕጋዊ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ዝርከብ ገንዘብ ኮይኑ ንመኸፈሊ ኣሳለጥቲ እኹል ገንዘብ ንዘይብሎም ሰባት እዩ።

 

ሰባት

ናይ ፍልሰት ጠበቓ / ኣሳላጢ ብዛዕባ ሕጊ ዝፈልጥ ሰብ ኮይኑ ናይ ስደተኛ ደረጃነት ንምሕታት ንሆም ኦፊስ ክተመልክት ወይ ኸኣ ኣብ ውሳነ ይግባይ ክትብል ዝሕግዘካ ሰብ እዩ።
ተርጟሚ / ኣስተርጟሚ ሰባት ዝዛረብዎ ቛንቛ ንኽረዳድኡ ቃላት ዝቐያይር ሰብ እዩ።
ብቑዕ እኹል ሰብ  ኣብ ጊዜ ምስ ሆም ኦፊስ ንዘለካ ናይ ዕድመ ግምገማ ወይ ድማ ቀንዲ ቃለመጠይቕ ዝኣልየካን ንነብስኻ ወኪልካ ኽትዛረብ ዝድግፈካ ሰብ።
ዳኛ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ጉዳይካ ይግባይ ኣብ እትሓተሉ ጊዜ ውሳነ ዝህብ ሰብ
(ኤም.) ኣባል ፓርላማ ናይ ከባቢኻ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ መዚ።

ኣብ ጉዳይካ ቃለመጠይቕ ክግበረልካ ወይ ድማ ውሳነ ክውሃበካ ኣዚዩ ነዊሕ ጊዜ እንድሕር ተጸቢኻ ንኤም.ፒ ኻ ንሆም ኦፊስ ደብዳቤ ክጽሕፈልካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ እቲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ሰብ ኣብዚ መስርሕ!