ፍልሰትን ዑቕባን- ኣግደስቲ ቃላትን ትርጎሞምን  

 

ፍልሰትፍልሰት ማለት ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ንክትነብር ምግዓዝ ማለት እዩ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰራሕተኛታት ናይ ፍልሰት ምስ ኣብቲ ሃገር ዝገዓዙ ሰባት ይሰርሑ።

ሓተትቲ ዑቕባሓደ ሰብ  ዓዱ ገዲፉ ናብ ዝወሓሰ ቦታ ብ ምኻድ ናይ ስደተኛ ደረጃ ንኽወሃቦ ዘመልከተ።
ስደተኛዓዱ ጠንጢኑ ኣብ ካልእ ዓዲ ክነብር ዝተፈቕደሉ፡ ናብ ዓዱ ምምላስ ንደሕንነቱ ሓደገኛ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሰብ።
ናይ ስደተኛ ደረጃናይ ስደተኛ ደረጃ እንድሕር ተዋሂቡካ ሆም ኦፊስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከም ስደተኛ ክትነብር ኣፍቂዱልካ ኣሎ ማለት እዩ።
ናይ ዑቕባ መስርሕኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ን ናይ ስደተኛ ደረጃ ን ምሓዝ ዝውሰዱ ስጉምትታት።
ናይ ዕድመ ግምገማእንድሕር ን ዕድመኻ ዘረጋግጽ ሰነድ ዘይብልካ (ንምሳለ ፓስፖት ወይ ናይ ትውልዲ ሰነድ) ሆመ ኦፊስ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ እንድሕር ዘይኣሚኖምኻ፡ ናይ ዕድመ ግምገማ ክገብሩ እዮም።

እዚ ከኣ ክልተ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ዝካፍልዎ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ስብሰባ  ክግበር እዩ። ሕቶታት ብ ምሕታት ዕድመኻ ክግምግሙ ክፍትኑ እዩም።

ሆም ኦፊስብዛዕባ ፍልሰት ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል መንግስቲ።
ይግባይጌጋ እዩ እትብሎ ናይ ፍልሰት ውሳነ ምስ እትቕበል ን ቤት ፍርዲ ልክዕ  ወይስ ክቕይር ይከኣል እዩ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል።   ኣሳላጢ\ጠበቃ ነዚ ክትገብር ይሕግዘካ።
ቤት ፍርዲዳኛ ሕጋዊ ውሳነ ዝወሃበሉ ቦታ።
ኣገዳሲ(ቀንዲ) ቃለመጠይቕእቲ ቀንዲ ቃለመጠይቕ ኮይኑ እቲ ሆም ኦፊስ ኣብ ዓዲኻ ውሕስነት ዘይስምዓካ ምኽኒያታት ብምሕታት ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ክህበካን ከይህበካን ዝውስነሉ እዩ።
ሕጋዊ ሓገዝካብ መንግስቲ ዝርከብ ገንዘብ ኮይኑ ንመኸፈሊ ኣሳለጥቲ እኹል ገንዘብ ንዘይብሎም ሰባት እዩ።

 

ሰባት

ናይ ፍልሰት ጠበቓ / ኣሳላጢብዛዕባ ሕጊ ዝፈልጥ ሰብ ኮይኑ ናይ ስደተኛ ደረጃነት ንምሕታት ንሆም ኦፊስ ክተመልክት ወይ ኸኣ ኣብ ውሳነ ይግባይ ክትብል ዝሕግዘካ ሰብ እዩ።
ተርጟሚ / ኣስተርጟሚሰባት ዝዛረብዎ ቛንቛ ንኽረዳድኡ ቃላት ዝቐያይር ሰብ እዩ።
ብቑዕ እኹል ሰብ ኣብ ጊዜ ምስ ሆም ኦፊስ ንዘለካ ናይ ዕድመ ግምገማ ወይ ድማ ቀንዲ ቃለመጠይቕ ዝኣልየካን ንነብስኻ ወኪልካ ኽትዛረብ ዝድግፈካ ሰብ።
ዳኛኣብ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ጉዳይካ ይግባይ ኣብ እትሓተሉ ጊዜ ውሳነ ዝህብ ሰብ
(ኤም.) ኣባል ፓርላማናይ ከባቢኻ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ መዚ።

ኣብ ጉዳይካ ቃለመጠይቕ ክግበረልካ ወይ ድማ ውሳነ ክውሃበካ ኣዚዩ ነዊሕ ጊዜ እንድሕር ተጸቢኻ ንኤም.ፒ ኻ ንሆም ኦፊስ ደብዳቤ ክጽሕፈልካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻእቲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ሰብ ኣብዚ መስርሕ!