ንመንእሰያት ዚወሃብ ናይ ውልቂ ምኽርን ደገፍን። ንሕና፣ ምስቶም ብዘይ ስድራቤቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ መንእሰያት ስደተኛታት፣ ዕቑባትን ናይ ፖለቲካ ጽግዕተኛታትን ኢና እንዓዪ። ንስኻ (ክሳዕ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ) መንእሰይ እንተ ዄንካ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (social services) ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ።
- ብዛዕባ መሰላትካን ግቡኣትካን ሓበሬታ ክንህበካ ኢና።
- ዝተመደበልካ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይካ ሰራሕተኛ፣ ናይ ውልቂ ኣማኻሪኻን ካልኦት ሰብ ሞያን ከምዝሰምዑኻ ክንገብር ኢና።
- ሕጉስ እንተ ዘይኴንካ ንኽትዛረብን ጥርዓን ከተቕርብን ክንድግፈካ ኢና።
ብ0808 800 5792 ብናጻ ደውለልና እሞ፡ ምሳኻ ድማ ብ [ጽሑፍ ዝተተርጎመሉ ሽም ቋንቋ ኣእቱ] ከነዘራርበካ ንኽእል ኢና።
ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ:
ጽሑፍ፡ 07758 670369 (8-12p ንነፍሲ ወከፍ ጽሑፍ)
ዋትስኣፕ (WhatsApp): 07758 670369 (ዕድመ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ)
ኢሜይል: help@coramvoice.org.uk
ኣገልግሎታትና ክፉት ዝኾነሉ: ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 9.30ቅ.ቀ – 6 ድ.ቀ ከምኡውን ቀዳም 10ቅ.ቀ–4ድ.ቀ