ተናባይ ወይ ድማ ተኣላዪ – ኣገደስቲ ቃላትን ትርጉሞምን

 

ተኣላዪ ብ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደገፍ ትረክብ እንተኾይንካ፥ ኣንተ ደኣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ሃልዩካ ተኣላዪ ትበሃል።

ትእለይ እንተ ሃሊኻ፣ ምስ  ናባዪ ወይ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ገዛ ምስ ክድግፉኻ ዝኸእሉን ኣባላት ዝኾኑ  ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት  ክትቅመጥ ትኽእል።

ክልላዊ ቤት ምኽሪ / ናይ ክልል ሰብ መዚ ክልላዊ ኣካል መንግስቲ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ዝተሰከመ (ከም ትምህርቲ፣ ኣባይቲ፣ ምእላይ ናይ ድጋፍ ዘድልዮም ሰባት) ኣብ ኩሉ ኣካባቢ ናይታ ሃገር (ን ኣብነት ማንቸስተር ሲቲ፣  ሳውዝዋርክ፣ ወይ ድማ ብረንት ኣብ ሎንደን) እዩ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣካል ክልላዊ ቤት ምኽሪ እዩ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት/ናይ ቆለውዕ ኣገልግሎትታት ቆልዓ ወይ መንእሰይ ኮይንካ  በዘይ ወለድቲ ኣብዚ ዓዲ ጥቕመጥ እንተኾይንካ ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ካኣልዩኻ ምስ ዘይኽእሉ ፣ ክድግፉኻ ሓላፍነት ዘልዎም ክፋል ናይ ክልላዊ ቤት ምኽሪ።
ተኣላዪ  16 ን ልዕሊኡን ኾይንካ ትእለይ እንተ ሃሊኻ፣  ውጥን ክተውጽእ ደገፍ ክትረክብ ኣልካ 18 ክሳብ ትኸውን።

18 ምስ መላእካ ተኣላዪ ትበሃል። ንነብስኻ ናጻ ኮይንካ ክተመሓድር ትጽቢት ይግበረልካ፣ ግና ክሳብ 25 ትመልእ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ክድግፈካ ሓላፍነት ኣልዎም።

ዘድልየካ ናይ ገዛ፣ ትምሀርቲን፣ ካልኦት ሓገዛት ክህቡኻ ኣለዎም።

ናይ ጉእዞ ንድፊ ናይ ጉእዞ ንድፊ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ረቛሒ ካብ ናይ ተኣላይነት ምስንባት እዩ።  ሽቶኻ ክትወቅዕ ናጻ ኮይንካ ክትነብር ዝሕግዝን ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክትረክብ ከምትኽእል ከጠቓልል ዝግባኦ ሕጋዊ ሰነድ እዩ።

ካብ 16 ዓመት ትመልእ ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ወይ ናይ ውልቂ ኣማኻሪኻ ንድፊ ጉእዞ ሂወትካ ብሓባር  ኣውጽኡ።

ምእንታን ንዓኻ ዝኽውን ከምዝኾነ ንምርግጋጽ ንድፊኻ በብሹዱሽተ ወርሒ ዳግመ መርመራ ክግበረሉ ኣለዎ።

ተኣላዪ ናይ ከባቢያዊ ኣቕርቦት እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ናይቲ ቤት ምኽሪ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። እቲ ቤት ምኽሪ ን ተኣላዪ ብዛዕባ ዝህብዎ ደገፋት፣ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እንታይ ዓይነት ደገፍ ክርከብ ከምዝክኣልን፣ እቲ ተኣላዪ ክረኽቦ ዘለዎን ብዝርዝር ዝተቐመጦ እዩ።
 

ናይ ገንዘብ ድጎማ

 

ንመጟዓዚያ፣ መጽሓፍቲ ወይ ድማ ናይ ኮርስታት ክፍሊት ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ኮሌጅ ንመኽፈሊ ክትሓቶ ትኽእል ገንዘብ። ብዛዕባ እዚ ንናይ ውልቂ ተሓጋጋዚኻ ሕተት።
ካብ ገዛ መሰናበቲ ኣበል / ናይ ገዛእ ርእስኻ ገዛ መሰኲዒ ሓገዝ ናብ ሓዲሽ ገዛ ኣብ ትኣትወሉ ጊዜ ንመግዝኢ፣ ን ኣብነት ከም ናይ ገዛ ኣቕሑት፣ ፍሪጅ፣ በራድን፣ ባዴላ ዝሕግዘካ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ገንዘብ።
ምሕረት ካብ ናይ ቤት ምኽሪ ታክስ ናይ ቤት ምኽሪ ታክስ፣  18 ዓመትን ልዕሊኡን ኮይንካ ገዛ ትወንን ወይ ድማ ዝተካረኻ እንተ ኾይንካ ን ክልላዊ ቤት ምኽሪ ትኸፍሎ ገንዘብ እዩ።

‘ምሕረት ካብ ናይ ቤት ምኽሪ ታክስ’ እንተ ረኺብካ ወይ ድማ  ንቤት ምኽሪ ታክስ ካብ ምኽፋል ምሑር እንተኾይንካ፣ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ።

 

ሰባት

ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ እዩ ዝሰርሑ  እቶም ቀንዲ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ምኽሪ ስልዝኾኑ ዝኾነ ነገር ክትደልይ ከለኻ ንዖም ክተዛርቦም ኣለካ።


ናይ ውልቂ ኣማኻሪ (.) ከም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ኮይኖም ግና ን ተኣለይቲ።  ክሳብ 25 ዓመት ትመልእ  እንተኣድልዩካ ወይ እንተደሊኻ ደገፍ ክህቡኻ ኣለዎም።
ናባዪ ትናበይ እንተ ሃሊኻ ኣብ ገዝኡ ዘቐምጠካ ሰብ። ከም ወላዲ ይኾኑልካ ክሳብ 18 ትመልእ፣ ሓሓንሳብወን ልዕሊኡ። መግቢ ይሰርሑልካን ይኣልዩኻ።
ቀንዲ ሰራሕተኛ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ እሞ ኻልኦት ምሳኻ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ዝነብሩ እንተኾይኖም፣ ዝድግፈኩም ቀንዲ ሰራሕተኛ  ክህልው እዩ።
ተርጟሚ / ኣስተርጟሚ ሰባት ዝዛረብዎ ቛንቛ ንኽረዳድኡ ቃላት ዝቐያይር።
ተማጟታይ ነቲ ቤት ምኽሪ ዝይሰርሕ ግን ከኣ ብዛዕባ መሰልካን በቲ ቤት ምኽሪ ዘይተሓጎስካሉ ነገር፣ ን ኣብነት እቲ ዘድልየካ ደገፍ እንተ ዘይረኺብካ ዝሕግዘካ ሰብ።
ኣሳላጢ / ጠበቓ ብዛዕባ ሕጊ ዝፈልጥ ሰብ። ናትካ ቤት ምኽሪ እቲ ክትረኽቦ ዝግበአካ እንተ ዘይሂቦሙኻ ናይ ሕጊ ምኽሪ እንዳሃቡ ይሕግዙኻ።